ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ይደምቕ

Radio Erena: 09 May 2017

 Dani Giro ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ወኪሉ ኣብ መበል 100 ዓመት ቅድድም ብሽክለታ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ብዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታት ደሚቑ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ስፖርት ዓለም ኣቃሊሐን።

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2015፡ ንማልያ “ኣንበሳ ዓቐብ” ዝወደየ ናይ መጀመርያ ጸሊም ኣፍሪቃዊን ከምኡ ድማ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ክራይተርዩም ዶውፊነ ነዛ ማልያ ዝወነነ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብዚ ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር’ውን ነዛ ማልያ ክውንና ክኢሉ።

ብዘይካ’ዚ ዳኒኤል ኣብዚ ብዓርቢ 5 ግንቦት ዝፈለመን 195 ዓበይቲን ስሙያትን ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ዘለው ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ብርክት ዝበለ ካልእ ዓወታት’ውን ሓፊሱ’ሎ።

ወዲ ሃገሩን ወዲ ጋንትኡን ናትናኤል ብርሃነ’ውን ብወገኑ ግዜ ከይከሰረ ምስ ዝበዝሑ ተቐዳደምቲ ብሓባር ቅድድሙ ይቕጽል ኣሎ።

ክቡራት ሰማዕትና ብዛዕባ’ዚን ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኤውሮጳን ዘጠቓለለ ትሕዝቶ ስፖርት ድሕሪ ዜና ኣብ ዘሎ መደባትና ተኸታተሉ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0