ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ፊናንስን ጸዓትን ሓገዝ ቀጠር ትሓትት

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ፊናንስን ጸዓትን ሓገዝ ቀጠር ትሓትት

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ፊናንስ፣ ጸዓትን ካልእ ጽላታትን ዘተኮረ ሓገዛት ካብ ቀጠር ከምዝሓተተ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ነዚ ትሓትት ዘላ፣ ብሚኒስተር ነዳዲ ህዝቅኤል ሎል ጋትኩት ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ቀጠር ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ሓላፊ ሃገራዊ ባንክ ዓብዱላሂ ሙባረክ ኣል ኻሊፋ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ድሕሪ’ቲ ብ26 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣዶሓ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ቀጠርን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ጽልታታት ብሽርክነት ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጋልፍ ታይምስ ሓቢሩ።


መዓልታዊ ኣማኢት ኣሽሓት በርሚል ነዳዲ እትፈሪ ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ ብቁጠባን ጸጥታን ክትረግእ ኣይክኣለትን።

ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ናይዚ ድማ፣ ብልሽውና መራሕትን ብቀቢላን ስልጣንን ተሳቢቡ ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0