ኣልሸባብ ናይ ሶማል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

ኣልሸባብ ናይ ሶማል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም


ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዘካየዶ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብዕለት 28 መጋቢት ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምባ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ንብረት እውን ከቢድ ዕንወት ከስዕብ እንከሎ፣ 17 ሰባት ከኣ ብከቢድ ከምዝቖሰሉ፣ ሰራሕተኛታት ሕክምና’ታ ከተማ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ኣልሸባብ ብዘካዪዶ ዘሎ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ቦምባ ናይ ዝጉዳእ ዘሎ ቁጽሪ ሰላማዊ ህዝቢ መዓልታዊ እንዳወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣባላት ኣልሸባብን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፣ ብዉሑዱ 36 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብሰንኪ’ዚ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ፣ ስልጣኑ ክገድፍ ከምዝተቐሰበ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0