ደቡብ ሱዳን፣ ሰለስተ ርብዒ (¾) ካብ ህዝባ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ

Radio Erena: 20 April 2022

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ልዕሊ 7.8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ወርሓት ግንቦት ክሳብ ሓምለ ዘሎ ወቕቲ፣ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን በዳሂ ከምዝኸውን ዘመልከተ ሕቡራት ሃገራት፣ ብፍላይ ኣስታት 87 ሽሕ ህዝቢ ንዓጸቦ ተቓሊዑ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ግጭታት፣ ዘይብቁዕ ምሕደራን ብልሸውናን፣ ተፈጥሮኣዊ ናይ ወቕቲ ምምዝባልን ተደማሚሩ፣ ሚልዮናት ካብ ህዝባ ኣብ ቅልውላው’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ግና፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ’ዩ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት።

ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ሱዳን፣ እቲ ሰለስተ ርብዒ (¾) ‘ዩ ተጸባዩ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳን ድማ ብፍላይ፣ ልዕሊ 20ሚልዮን ህዝቢ ኣብዘን ዝስዕባ ኣዋርሕ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ፣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ‘ውን እቲ ኣህጉራዊ ትካል የጠንቕቕ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0