ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተሳተፋ 16 ደቂንስትዮ ከምዝዓመጹ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 April 2022


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዝተሳተፋ ብውሕዱ 16 ደቂንስትዮ ከምዝዓመጹ፣ ፍሉይ ሉእኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ቮልከር ፐርትስ ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ሱዳን ጎኒ ጎኒ’ቲ ካልእ ዝካየድ ፖለቲካዊ መስርሕ፣ ኣንጻር ዓመጽ ደቂንስትዮ ምስ ዝቖመ ኣሃዱ እታ ሃገር ምስራሕ’ውን ክፋል ናይ ዝተመዘዘሉ ዕላማ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ካብ ዝተመደበሉ መዝነት፣ ደረት ሓሊፉ ንዝበሎ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ክሰጉግ ምዃኑ ዝሓለፈ ቅንያት ዘፍለጠ መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ ብዛዕባ ምዕማጽ ደቂንስትዮ ብሓይልታት ጸጥታ ዝምልከት ምስጢር ናብ ግዳማውያን ሓይልታት ኣሙሊቓ ንዝበላ፣ ሓላፊት ናይቲ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ንዓመጽ ደቂንስትዮ እትከታተል ኣሃዱ፣ ሱሊማ ኢሻቕ፣ መርመራ የካይደላ ምህላዉ፣ ኣልጀዚራ ኣቃሊሑ።

ንሳ ብመንገዲ ጠበቓኣ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ እቲ ንሕቡራት ሃገራት ዘካፈለቶ ሓበሬታ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ማዕከናት ዜና ናብ ህዝቢ ዝተቓለሐ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ቀራና መንገዲ እትርከብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ወትሃደራዊ መንግስቲ ከይትወድቕ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ታሕሳስ 2021 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሓይልታት ጸጥታ፣ በብእዋኑ ንዝውደብ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ብዝኸፍትዎ ቶኽሲ፣ ልዕሊ 80 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፣ ኣሽሓት ድማ ኣሲሮም።

ካብተን ዝተኣስራ ደቂስንትዮ ድማ ብውሕዱ 16 በቶም ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዓመጻ፣ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ደቂንስትዮ ዝቃለስ ኣሃዱ ንሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0