ዩክረይን፣ ንኢትዮጵያን ሶማልን 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ለጊሳ

Radio Erena: 07 October 2022

ንባዕላ ምስ ሩስያ ኣብ ከቢድ ኵናት ገጢማ ዘላ ዩክሬይን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ለጊሳ።

እቲ ብዩክሬይን ዝተለገሰ ረዲኤት፣ ናብ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝቐንዐ ኮይኑ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ናብተን ሃገራት ንምብጽጻሑ ዘድሊ ወጻኢታት ክሽፍና ተሰማሚዐን።

መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ብ28 መስከረም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ንባዕላ ኣብ ኵናት ዘላ ዩክረይን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክትሕግዝ ምብጋሳ ኣመስጊኖም።

ፈረንሳ ነቲ ናብ ሶማል ዝቐንዐ ኣስታት 25 ሽሕ ቶን ስርናይ ንምብጽጻሕ 14 ሚልዮን ዶላር ክትስልዕ እንከላ፣ ጀርመን ብወገና ነቲ ፍርቂ ናብ ኢትዮጵያ ንምክፍፋሉ ተመሳሳሊ ብዝሒ ገንዘብ ምምዳባ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተሸመተ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ፣ ካብ ዩክሬይን ወደብ ኦደስያ ከምዝነቐለት ይዝከር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ድማ፣ ናብ ሶማል ዝቐንዐት ካልእ መርከብ ተበጊሳ ኣላ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0