ኡጋንዳ፣ ‘ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም’ ልዕሊ 116 ኤርትራውያን ተገፊፎም

Radio Erena: 07 October 2022

ኣብ ኡጋንዳ ብዝተኻየደ ግፋ፣ ልዕሊ 116 ኤርትራውያን ከምዝተኣስሩ ክፍሊ ዜግነትን ኢሚግሬሽንን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎምን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ንዝበሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ፣ ኣብዚ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ግፋ፣ ብጠቕላላ 186 ሰባት ኣሲሩ ከምዘሎ እቲ ክፍሊ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ክፍሊ፣ እቶም 116 ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ 62 ሶማላዉያን፣ 5 ኢትዮጵያውያን፣ ሓደ ቻይናዊ፣ ሓደ ካናዳዊ ሓደ ድማ ኣየርላንዳዊ’ዮም።

መብዛሕቶም እቶም ዝተታሕዙ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ገሊኦም ድማ ቪዚኦም ዝወደቐን ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ፣ ንሙንደዪ ሲሞን ብምጥቃስ ራድዮ ካፒታል ካብ ካምፓላ ሓቢራ።

እቶም ዝተታሕዙ፣ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ናይቲ ሚኒስትሪ ከምዘለው ዝሓበረ እቲ ኣፈኛ፣ ኣብ ኡጋንዳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክነብሩ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዞም ናይ ዝጸንሕዎ ውህሉል እዋን፣ ሕሳብ ንመዓልቲ 30 ዶላር ክቕጽዑ ምኻኖም ገሊጹ።

መንግስቲ ኡጋንዳን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፣ ዳግመ ምዝገባ ኣብታ ሃገር ናይ ዝነብሩ ስደተኛታት ክካየድ ብዘውጽእዎ መምርሒ መሰረት፣ ምዝገባ ኤርትራውያን ካብ 13 ክሳብ 16 መስከረም ተኻይዱ ምንባሩ ራድዮ ኤረና ኣብ እዋኑ ኣቃሊሓ ኔራ’ያ።

ንኤርትራውያን ብዘይ መእተዊ ቪዛ ናብ እትቕበል ኡጋንዳ ካብ ዝኣትዉ መብዛሕቶም ናብ ዓዶም ከምዘይምለሱ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኡጋንዳ ክትጸንሓሉ ዝግባእ ግዜ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ምስ ምዃኑ፣ ሓያሎ ካብቶም ኣብታ ሃገር ንምትራፍ ዝውስኑ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ’ዮም ዝነብሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0