የመን ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይናትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፣ ኣመሪካ ዓበይቲ ናይ ኵናት መራኽባ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ልኢኻ

የመን ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይናትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፣ ኣመሪካ ዓበይቲ ናይ ኵናት መራኽባ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ልኢኻ

Radio Erena: 22 January 2015

USSfo

የመን ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይናትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፣ ኣመሪካ ክልተ ዓበይቲ ናይ ኵናት መራኽብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ልኢኻ።

እተን USS Iwo Jima ን USS Fort McHenry ዝተባህላ ሚሳይላት፣ ነፈርቲ ውግእን ኣሽሓት ወትሃደራትን ዝዓጠቓ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ፣ ኣብ የመን ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትንን ካልኦት ዜጋታትን ኣመሪካ ኣብ ዝወጽሉ ግዜ ቅልጡፍ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ክዋፈራ ምዃነን ዋሽንግተን ታይምስ ሓቢሩ።

 

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንዝበዝሐ ክፋል ሰንዓን ኣገዳሲ ትካላት መንግስትን የመን ተቖጻጺሮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን፣ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት’ውን ኣብ ከበባ የትዮሞ ምህላዎም’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ሓያሎ ማዕከናት ዜና የመን፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ብዕጡቓት ሑቲ ጅሆ ተታሒዙ ከምዘሎ ክገልጻ እንከለዋ፣ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ናድያ ሳካፍ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ከኣ እቲ ፕረዚደንት መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ ገሊጻ።

ፕረዚደንት የመን፣ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ሓያሎ ወገናት ግና ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ንዝኸተምዎ ስምምዕ ብምፍራስ ዕልዋ መንግስቲ እንተካይዶም፣ ኣብ መንጎ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ኵናት ሓድሕድን ክትሽመም ከምእትኽእል ሓያሎ ሃገራት የጠንቕቓ።

እዚ ናይ የመን ኵነታት ነተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩላ ከምዘሎ ይግለጽ።

ንተቓወምቲ ሑቲ ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ዝገለጸት ኢራን’ውን ነቲ ኩነታት ብቀረባ ንምክትታል ጭፍራ መራኽባ ናብ ክሊ ማያት ወሽመጥ ዓደን ክትልእኽ ከምእትኽል ወትሃደራዊ ምንጭታት ይእንፍቱ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0