የመን፣ብጉዳይ ምትሓዝ የመናውያን ገፍፈቲ ዓሳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ተጠንቕቕ

የመን፣ብጉዳይ ምትሓዝ የመናውያን ገፍፈቲ ዓሳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ተጠንቕቕ

yemመንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካያዳ ምትዕርራይ እንተዘይገይርሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ምክትል ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ እታ ሃገር ዓብደላ ባስንቡል ኣጠንቒቑ።

 እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘጠንቐቐ፣ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን ብዛዕባ’ቶም ገና ኣብ ኤርትራ ኣብ ማርሳ ፋጥማን ገደምን ተቐይዶም ኣለዉ ዝበሎም ገፈፍቲ ዓሳ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ኣብ ዝሕእተሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስቲ የመን፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተል ካብ ኣባላት ፓርላማን ካቢነ ሚኒስተራትን ዝተዋጽአ ክልተ ኮሚቴታት ከምዘቖመ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኮሚቴታት ዝህበን ምላሽ ይጽበዩ ከምዘለዉ’ውን ሓቢሩ።

ግዝያዊ ኣምባሳደር የመን ኣብ ኤርትራ፣ ናብቲ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ተቐዶምሉ ዘለዉ ማራሳ ፋጥማን ገደም ከምዝበጽሐ ዝሓበረ የመኒ ታይምስ ድማ፣ እቲ ኣምባሳደር ብዝሃቦ ሓበሬታ እቶም የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ጥዕንኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ’ዩ ሓቢሩ።

ናጻ ክልቐቑ ድማ መንግስታት የመንን ኤርትራ ኣብ ምዝርራብ ከምዘልዋ ኣረዲኡ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ኣቡበከር ኣልቑርቢ ናብ ኣስመራ ብምጽጻሕ፣ ብዝዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምእተዘራረበ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ቲ ዝርርብ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 1400 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምእተለቑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እኳ እንተገለጸ፣ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ እታ ሃገር ግና፣ ሕጂ’ውን ልዕሊ 600 ዝኾኑ ተታሒዞም ከምዘለዉ’ዩ ዝኸስስ።

መንግስቲ የመን ንምልቓቖም ጻዕርታት እንተዘየካይዱ ድማ እቲ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ ካብ ወደብ ሖዴዳ ናብ ሰንዓ ዘራኽብ መንገዲ ክዓጽውዎ ምዃኖም የፈራርሑ ኣለዉ።

ኣብ የመን ዝርከብ ግዝያዊ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ መሓመድ ሓምድ ድማ መንግስቲ የመን ድሕሪ ዘቕረበሉ ጻቕጢ ንማዕከን ዜና የመኒ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ኮሚቴ ሚኒስተራት ኤርትራን የመንን ተራኺቦም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ካልእ ነጥበታት ክዘራረቡ ምዃኖም ኣንፊቱ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0