ኣብ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣምኢት ኤርትራውያን ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ከተማታት ኢጣልያ ክካየድ ምዃኑ ተግሊጹ

ኣብ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣማኢት ኤርትራውያን ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ክካየድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ኣንሳ- ሓቢሩ።

ኣብታ 500 ኤርትራውያን ጽዒና ብ 3 ትቕምቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓለት ጀልባ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝተኣከበ ሬሳ 359 ከምዝበጽሐ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ኣብ ኢጣልያ ክፍጸም ምዃኑ’ዮም ዝጠቕሱ።

ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ካብ ላምፔዱሳ ኣብ ዓባይ ወትሃደራዊት መርከብ ተጻዒኑ ናብ ሲሲልያ ከምዘምርሐ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ድማ፣ እቶም 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሲሲሊ፣ ኣብ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ምዃኖምን እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ከምዝቕበሩን ገሊጹ።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኤንሪኮ ሌታ ወግዓዊ ናይ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም ምዃኑ እኳ እንተሓበረ፣ ዕለትን ሰዓትን ግና ኣየነጸረን።

እንተኾነ ሓያሎ ኤርትራውያን ብዘቕርብዎ ዘለዉ ምሕጽንታ፣ እቶም ኤርትራውያን ከም ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ መዓንጥኦም ዝተቖጽረትላን ዕትብተኦም ዝተቐብረትልና ዓዶም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ’ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን እቶም ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ድሒሩ ዝኣመነሎም ግዳያት ባሕሪ ላምፔዱሳ ኣብ ኤርትራ ንኽቕበሩ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ብዘይወግዓዊ መንገዲ እኳ እንተገለጸ፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራን ወጻኢን ዝርአ ዘሎ ጸቕጢ ዜጋታት ንምህዳም ዝኣለውሞን ዲፕሎማስን ፖለቲካዊ ሃልኪን ዝበሎ ደኣ’ምበር ኣብ ዜጋታቱ ሓልዮትን ክብርን ስለዝተሰምዖን ናይ ሕእቒ ሬሳ ዜጋታቱ ክቕበል ስለዝደለየን ከምዘይኮነ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቒ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ድሕሪ’ቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ህይወት ኣምኢት ኤርትራውያን ዘህለቐ ተኸታታሊ ሓደጋታት፣ ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ክልተ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምእተበገሳ ተገሊጹ።

እተን ክልተ ጀላቡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያን ቱኒዝያዝን ዝጸዓና ምዃነን ዝጠቐሱ ምንጭታት ዜና፣ 10ታት ቆልዑን ህጻናት’ውን ከምዝርከብዎም ሓቢሮም።

ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሳ ሓሙሽተ ጀላቡ፣ እተን ሰለስተ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ማልታን ኣብ ዝበጽሓሉ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢሙወን’ዩ።

ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 350 ኤርትራውያንን 10ታት ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም።

እቶም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተበገሱ ኣማኢት ስደተኛታት ዛጊት ሃለዋቶም እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ናብ ማልታ ወይ ኢጣልያ ብሰላም ክኣትዉ ትጽቢትን ኩሉ’ዩ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0