የመን፣ ናይ ረዲኤት መግቢ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ትጎዓዝ ዝነበረት መኪና  መጥቃቲ ወሪዱ

የመን፣ ናይ ረዲኤት መግቢ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ትጎዓዝ ዝነበረት መኪና መጥቃቲ ወሪዱ

Radio Erena: 04 September 2018

 wfpyemen.ኣብ የመን፣ ናይ ረዲኤት መግቢ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ትጎዓዝ ዝነበረት መኪና መጥቃቲ ከምዝተኻየደ ተገሊጹ።

እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እትውነን ናይ ጽዕነት መኪና፣ ኣብ ደቡባዊ ሖደይዳ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ረዲኤት ንምብጻሕ ዝተላእከት ከምዝነበረት ይግለጽ።

 

ዓለማዊ ውድብ መግቢ፣ እቲ ረዲኤት 30 ቶን ዝግመት መግቢ ከምዝነበረን፣ ነቲ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ብውሑዱ ንክልተ ሽሕ ሰባት ንወርሒ ዝኣክል ቀለብ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ብካልእ ወገን፣ ውግእ ሓድሕድን፣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ መንግስቲ የመን ናይ ቁጠባ ምትዕርራይ ንምግባር ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን ዝሰዓበ ናህሪ ሸርፊ ወጻኢ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ የመናውያን፣ ሰላማዊ ሰልፊ የካዪዱ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ዓደን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ቀንዲ ጎደናታት እታ ከተማ ብዝቃጸሉ ጎማታት መኪና ከምዝተዓጽዉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሸርፊ ወጻኢ ንሓደ ዶላር 620 ርያል የመን ኮይኑሉ ዘሎ እዋን፣ ዝበዝሑ ሃለኽቲ ነገራት፣ ካብ ዓቕሚ የመናውያን ወጺኦም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0