ሶማል፣ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

ሶማል፣ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 04 September 2018

mogadishu b.ኣብ ሶማል ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ፣ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብሰምበት 2 መስከረም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣኼባ ንዘካዪዱ ዝነበሩ ሰበስልጣናት መንግስቲ ንምቕታል ዝዓለመ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ፣ ነታ ነታጒ ጽዒና ዝነበረት ማኪና ደው ከብሉዋ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን ብምፍንጃሩ፣ ነቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከቕሎ ከምዝኸኣለ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓቢሩ።

 

እንተኾነ ብሰንኪ’ቲ ነትጒ፣ ኣብ ጥቓ’ቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ብምድርማሱ፣ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዝርከብዎም ብውሑዱ 14 ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣሎ።

ኣፈኛ’ቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ኣብ ኣኼባ ንዝነበሩ ሰበስልጣናት ንምጥቃዕ ዘካየድናዮ ስርሒት፣ ዕዉት ኔሩ፣ 10 ካብኣቶም ከኣ ቀቲልና’ ኢሉ።
እንተኾነ ኣዛዚ ፖሊስ ካፕቴን መሓመድ ሑሴን፣ እቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ጸጥታን፣ ሰለስተ ሰላማውያን ሰባት ደኣ ቀቲሉ እምበር ኣብ ዕላምኡ ከይበጽሐ ፈሺሉ’ዩ፣ ክብል ንኣልጀዚራ ቃሉ ሂቡ።

ጉጅለ ኣልሸባብ ዘካዪዶ ናይ ሽበራ መጥቃዕታት ዝግ ኣቢሉዎ ብምጽንሑ፣ ከተማ ሞቓድሾ ተዛማዲ ሰላም ረኺባ’ያ ጸኒሓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0