ዞባ ሲዳማ መበል ዓስረይቲ ፈደራላዊት መንግስቲ ኮይና ክትቀውም እያ

Radio Erena: 24 November 2019

ዞባ ሲዳማ መበል ዓስረይቲ ፈደራላዊት መንግስቲ ኮይና ክትቀውም እያ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዕለት 23 ሕዳር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ናይቲ ብዕለት 20 ዝተኻየደ ረፈረንዱም ኣፈናዊ ውጽኢት ኣብ ዝገለጸሉ፣ ህዝቢ ሲዳማ ርእሱ ክኢሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምምስራት ብዓብላሊ ድምጺ ከምዘድመጸ ሓቢሩ።
ኣፈናዊ ውጽኢት’ቲ ረፈረንዱም ከምዘመልክቶ፣ ህዝቢ ሲዳማ 98.5 ሚእታዊት ‘እወ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ’ እዩ ኣድሚጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ 1,692 መድመጺ ነቑጣታት ዝተኻየደ ረፈረንዱም፣ ናጻ፣ ደሞክራስያዊን ርትዓዊን ምንባሩ ሓቢሩ።
ብመሰረት ተዓዘብቲ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ድምጺ ምሃብ ካብ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ እኳ እንተነበረ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ብለይቱ ሪጋ ብምሓዙ፣ እቲ ድምጺ ምሃብ ገና ሰዓት ሓደ ከይኮነ እንከሎ ዳርጋ ተዛዚሙ ምንባሩ ይገልጹ።
ሕቶ ምቛም ገዛእ መንግስቲ ህዝቢ ሲዳማ ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ደገፉ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ ንህዝቢ ሲዳማ ናይ ዮሃና መልእኽቱ ከምዘመሓላለፈ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ይገልጽ።
ዞባ ሲዳማ 4 ሚልዮን ነበርቲ ክህልዉዎ እንከለዉ፣ ልዕሊ 40 ዝተፈላለያ ብሄራት ዘጠቓለለ እዩ።
ህዝቢ ሲዳማ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ መስሪቱ ክመሓደር ብዓብላሊ ድምጺ ደኣ ይተዓወት እምበር፣ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝርከብ ሃብቲ፣ ምስ ካብቲ ዝንጸሎ ዘሎ ፈደራል መንግስቲ ክማቐል ስለዝኾነ፣ ዝተሓላለኸ መስርሕ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይንገር።
ህዝቢ ሲዳማ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ዝእውጅ ዘሎ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ክካየድ ሒደት ኣዋርሕ ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0