ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያ፣ ብደረጃ ዞባ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ

ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያ፣ ብደረጃ ዞባ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ

Radio Erena: 18 August 2017

ethio sudan

ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብደረጃ ዞባ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ’ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት መንግስቲ ሱዳን ዘካየድዎ ሰፊሕ ዘተ’ዩ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ታሪኻዊ’ዩ ዝበለ ሚኒስተር ጋንዶር፣ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ ነቲ ዝጸንሐ ዝድምና መሊሱ ዘደልድል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

ብሰሉስ 15 ነሓሰ ናብ ካርቱም ዘምርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ጸጥታ ዶባት፣ ኣብ ዶባዊ ጉዳይ ዞባ ገዳርፍ፣ ከባቢ ኣል ፋሽጋ፣ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዞባ ናይል፣ ህሉው ዝምድና ግብጽን ሱዳንን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋታትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ድሕሪ ምምይያጥ ናይ ሎሚ ዓርቢ 18 ነሓሰ ናብ ሃገሩ ክምለስ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0