ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 400 ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓኑ 41 ሰባት ዜጋታት ሶማል፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ምዃኖም ተሓቢሩ

ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 400 ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓኑ 41 ሰባት ዜጋታት ሶማል፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ምዃኖም ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 April 2016

Mig

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝጠሓለት ኣብ ዝተገልጸት ጃልባ ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ዝደሓኑ 41 ሰባት፣ እቶም 23 ዜጋታት ሶማል፣ 11 ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ 6 ግብጻውያን ሓደ ከኣ ሱዳናዊ ምዃኖም ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣረጋግጊጹ።

ሰለስተ ካብቶም ዝደሓኑ ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ ሓደ ከኣ ወዲ 3 ዓመት ህጻን’ዩ።

እታ ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠማ ምጥሓል እቶም ልዕሊ 400 ክሞቱ እንከለዉ፣ እቶም ብሓገዝ ሓንቲ ትሓልፍ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ ዝደሓኑ 41 ሰባት ኣብ ግሪኽ ተዓቝቦም ከምዘለዉ UNHCR ትማሊ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ብመሰረት መግለጺ ሕቡራት ሃገራት፣ እታ ጃልባ ካብ ዝጠሓለትሉ ዕለት፣ ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ 16 ሚያዝያ’ያ ክትርከብ ክኢላ።

እታ ጃልባ ዜጋታት ሶማል፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽዒና ከምዝነበረት እኳ እንተተሓበረ፣ ካብቶም ዝደሓኑ 41 ሰባት ግና ዝኾነ ኤርትራዊ የለን።

ዜግነት ናይቶም ዝጠሓሉ ልዕሊ 400 ሰባት ከኣ ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ባሕሪ፣ ኣዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ እቲ ዝኸበደ’ዩ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0