ኤርትራ ኣብ 2016’ውን ብመዳይ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ዓለም ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኤርትራ ኣብ 2016’ውን ብመዳይ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ዓለም ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

Radio Erena: 20 April 2016

Pres

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርግሖ፣ ደረጃ ሃገራት ፕረስ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ናይ 2016’ውን ንሰሜን ኮርያ፣ ቱርኪመንስታን፣ ሶርያን ቻይናን መሪሓ’ያ ሕማቕ ምስላ ኣድሚቓ ትርከብ።

ኤርትራ፣ በብእዋኑ ዝኣሰረቶም ኣስታት 20 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 14 ዓመታት ደሃይ ከምዘይብሎም ይፍለጥ።

ብዘይካ’ውን ኤርትራ ንኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብመንግስቲ ዝውነና ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ መደበር ሬድዮን ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥንን ዘለዋ ዕጽውቲ ሃገር ኮይና ኣላ።

 

በዚ ናይ 2016 ደረጃ መሰረት ዝበለጸ ናጽነት ፕረስ ዘለወን ሃገራት ቀዳመይቲ ፊንላንድ ክትከውን እንከላ፣ ሆላንድ፣ ነርወይ፣ ደንማርክን ኒውዝላንድን ከኣ ተኸታቲለን ይስዕበኣ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0