ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 127 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒላ

Radio Erena: 05 June 2021

ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓለኑ 127 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ክሊ ማይ ቱኒዝያ ከምዝጠሓለት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እታ ጃልባ፣ ገማግም ደቡባዊ ቱኒዝያ፣ ከባቢ ከተማ ዛርዚስ፣ ኣል ሞንጂ ሳሊም ከምዝጠሓለት ዝሓበረ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ እታ ሃገር፣ ዛጊት 84 ሰባት ብህይወት ክድሕኑ እንከለዉ፣ ሃለዋት ናይቶም 43 ግና ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣመልኪቶም።

ኣብታ ብቀዳም 03 ሓምለ ዝጠሓለተ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ቻድ፣ ግብጺ፣ የመንን ባንግላዲሽን ምዃኖም እቲ ትካል ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝፈተኑ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ኣስታት 700 ጥሒሎም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0