ሱዳን: 24 ኣባላት ጸጥታ ብሽበራ ተኸሲሶም

Radio Erena: 04 July 2021

ኣብ ሱዳን፣ 24 ኣባላት ጸጥታ ብሽበራ ተኸሲሶም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን ብዓርቢ ክልተ ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ኣባላት’ቲ ብፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ዝተመስረተ ትካል ጸጥታ ዝነበሩ 24 ሰባት፣ ንቆንስል ግዚያዊ መንግስቲ ንምዕላውን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያድን መደብ ከምዝነበሮም ከሲሱ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣብ ካርቱም ተኣኪቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ቦታ፣ ወተሃደራዊ ኣልባሳት፣ ኣጽዋር፣ ነተጉቲ፣ ዓበይቲ መሳርሒ መራኸቢታት ከምዝተረኽቦም ኣመልኪቱ።
ምስ’ዞም ዕልዋ መንግስቲ ወጢንኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ዘሎ ኣባላት ጸጥታ፣ ሓላፊ እቲ ትካል ዝነበረ ሳላሕ ጎሽ እውን ርክብ ከምዝነበሮ ተገሊጹ።
ሳላሕ ጎሽ ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ካብቶም ቀዲሞም ፊርማኦም ዘንበሩ እኳ እንተኾነ፣ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ለውጢ፣ ናብ ግብጺ ብምህዳም ተሰዲዱ ይርከብ።
ኣብ ልዕሊ ሳላሕ ጎሽ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ብኢንተርፖል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0