ዚምባብዌ፣ 16 ሽሕ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ካብ ስራሕ ተሰጉጎም

ዚምባብዌ፣ 16 ሽሕ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ካብ ስራሕ ተሰጉጎም

Radio Erena: 19 April 2018

zimb nursesመንግስቲ ዚምባብዌ፣ 16 ሽሕ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ወይ ነርሳት ካብ ስርሕ ከምዝሰጎገ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ስርሖም ተሰጕጎም ዘለዉ ነርሳት፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝጸንሑ’ዮም።

እቲ መንግስቲ ብማዕከን ዜናኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ንወሰኽ ደሞዝን ኣበልን ዝኸውን 17 ሚልዮን ዶላር ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዘሰጋገረ እኳ እንተጠቐሰ፣ እቶም ተሓጋገዝቲ ሓካይም ናብ ስርሖም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ክሰጎም ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ነዞም ሰሉስ 18 ሚያዝያ ካብ ስርሖም ተሰጕጎም ዘለው ነርሳት ንምትካእ፣ ሓደስቲ ተሓጋገዝቲ ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ክቖጽር ምዃኑ’ውን እቲ መንግስቲ ኣገንዚቡ።

እቶም ተሓጋጋዝቲ ሓካይም፣ ዝሓትዎ ዘለዉ ወሰኽ ደሞዝን ኣበልን ንነፍሲ ወከፎም ወርሓዊ 1 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ’ዩ።

ኣብ ዚምባብዌ፣ ናይ ተሓጋጋዚ ሓኪም ወይ ነርስ ወርሓዊ ደሞዝ 280 ዶላር ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ሓካይም ከኣ 1200 ዶላር ይበጽሕ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0