ኤርትራ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ተፈቲሖም

ኤርትራ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ተፈቲሖም

Radio Erena: 18 April 2018

Haji Mussa

ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተኣስሩ ትሕቶ ዕድመ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 17 ዝርከቡ ትሕቶ ዕድመ፣ መብዛሕቶም ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላሚያ ኮይኖም፣ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀርብሪ ሓጂ ሙሳ፣ ብኣልማማ ዝተገፈፉ’ዮም።

እቶም ትሕቲ ዕድመ፣ ኣብቲ ብ3 መጋቢት ኣብ መቓብር ሸኽ ኣላሚን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ድሕሪ ምስታፎም፣ ኣብ ዝፋነውሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብጉዳይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ተገፊፎም ከምዝተወስዱ ስድራቤታቶም ምሕባሮም ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣስታት 200 መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ከምዝተኣስሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ገሊኦም ኣብ ዓላ ተኣስሮም ጽዑቕ መርመራ’ዩ ክካየደሎም ጸኒሑ።

ምስቲ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ማእከል ከተማን ኣብ ኣኽርያን ዘካየድዎ ታሪኻዊ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ወለዲን መማህራንን ተኣሲሮም ከምዘለው ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0