ዙር ሩዋንዳ፣ ሎሚ ቀዳም 25 ለካቲት፣ ኣብ ሻብዓይ መድረኽ፣ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፣ ቢጫ ማልያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩዋ

Radio Erena: 25 February 2023

ዙር ርዋንዳ፡ ሎሚ ቀዳም 25 ለካቲት 2023፡ ካብ ከተማ ኒያማታ ናብ ከተማ ኪጋሊ 115.8 ኪሎ ሜትር ብዝሸፈነ ርሕቐት ሻብዓይ መድረኽ ኣብ ዘሳለጠሉ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ብውህሉል ግዜ ዝመርሕ ተወዳዳራይ ንዝለብሳ ብጫ ማልያ፡ ካብ ኢድ በልጅዩማዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ Soudal – Quick-Step Devo ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ መንዚዑ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ኣእትይዋ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ኢጣልያዊ ወዲ ጋንትኡ ንሄኖክ ማኑኤለ ታሮዚ ንመቐዳድምቱ ሓዲጉ ንበይኑ ኣብ መዛዘሚ ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ፡ እንግሊዛዊ ማርክ ስቴዋርትን ስጳኛዊ ኡናይ ኢሪባርን ብ32 ካልኢታት ተፈንቲቶም 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዞም።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ59 ካልኢታት ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብ1 ደቒቕን 27 ካልኢታትን ድሒሮም ብቅደም ተኸተል መበል 8ይን 14 ተርታ ክስርዑ ከለዉ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ ብ1 ደቒቕን 54 ካልኢታትን ዶንግዩ መበል 17 ደረጃ ሒዙ።

ተቐዳዳማይ ማሌዥያዊት ኮንቲነንታል ክለብ Terengganu Polygon መትከል እዮብ ብወገኑ ካብ ሄኖክ ብ14 ካልኢታት ድሒሩ መበል 22 ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ።

ብድሕሪ ሎሚ ዝተመዝገበ ውጽኢት፡ ሄኖክ ካብ 9ይ ናብ 1ይ ተርታ ዘሊሉ ብጫ ማልያ ክለብስ ከሎ፡ ኢጣልያዊ ዋልተር ካልዞኒ ብተመሳሳሊ ግዜ 2ይ ደረጃ፡ በልጅዩማዊ ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ ድማ፡ ብ2 ካልኢታት ተበሊጹ 3ይ ተርታ ተሰሪዖም ይርከቡ።

መትከል እዮብ ድማ፡ ብ12 ካልኢታት ተፈልዩ ኣብ 7ይ ተርታ ይርከብ። ሄኖክ ብጀካ ንብጫ ንማልያ “ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” ‘ውን ካብ ኢድ መትከል ክርከባ በቒዑ ኣሎ።

ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ ሰንበት 75.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ብዘለዎን፡ “ማውንት ኪጋሊ” ተባሂሉ ንዝፍለጥ ተሪርን ፈታንን ዓቐብ ብተደጋጋሚ ብዝሓኩርን ሓያል መድረኽ ክዛዘም እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0