ዙር ርዋንዳ፡ ሎሚ ዓርቢ 24 ለካቲት፤ ሄኖክ ሙሉብርሃን ራብዓይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 24 February 2023

ዙር ርዋንዳ፡ ሎሚ ዓርቢ 24 ለካቲት 2023፡ ካብ ሩባቩ ናብ ጂኩምቢ 157 ኪሎ ሜትር ብዝርሕቐቱ ጉዕዞ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ፡ ዴንማርካዊ ተቐዳዳማይ ፕሮኮንቲነንታል ክለብ Q36.5፡ ማትዮ ባዲላቲ፡ ንመቐዳድምቱ ብምርሕራሕ፡ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ኮይኑ።
ኢጣልያዊ ወዲ ጋንትኡ ዋልተር ካልዞኒ ብ10 ካልኢታት ስዒብዎ 2ይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቓ ኬንት መይን ድማ፡ ብተወሳኺ 2 ካልኢታት ድሒሩ፡ 3ይ ተርታ ተሰሪዑ።

ካብ ተዓዋቲ ባዲላቲ ብ14 ካልኢታት ዶንግያ ካብ ዝመጸት 3 ኤርትራውያን ዝነበርዋ 12 ሰባት ዝሓቖፈት ጉጅለ፡ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè ሄኖክ ሙሉብርሃን ቀዲሙ መዛዘሚ መስመር ብምስጋር ራብዓይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ተቐዳዳማይ ማሌዥያዊት ኮንቲነንታል ክለብ Terengganu Polygon፡ መትከል እዮብ መበል 11፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ክለብ Bike Aid ዳዊት የማነ መበል 12 ተርታ ወጺኦም።

ብጫ ማልያ “ጐብለል ግዜ”ን ጻዕዳ ማልያ “ብሉጽ መንእሰይ”ን ሕጂ’ውን ብበልጅዩማዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ Soudal – Quick-Step Devo ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ ክልበሳ ከለዋ፡ ካብ 6ይ ደረጃ ሎሚ ናብ 5ይ ደረጃ ዝደየበ መትከል እዮብ ብ11 ካልኢታት፡ ካብ 10ይ ናብ 9ይ ተርታ ዝሓኾረ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ፡ ብ13 ካልኢታት ተፈንቲቶም ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ኣለዉ።

መትከል እዮብ ትማሊ ንዝተረከባ ማልያ “ብሉጽ ኣፍሪቓዊ ተቐዳዳማይ” ጽባሕ’ውን ለቢስዋ ክስለፍ እዩ።
ኣብ ራብዓይ መድረኽ ማልያ “ሓኾተ ተቐዳዳማይ” ዝተሸለመ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ’ዚ ዙር ቐሪቡ ዘሎ፡ ኣባል በልጅዩማዊት ኮንቲነንታል ክለብ Circus – ReUz – Technord ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ሎሚ’ውን ምስ ካልኦት 7 ተቐዳደምቲ ሓቢሩ ካብ ፈለማ ክሳብ ኣጋ መወዳእታ ብምህዳም፡ ንኡድ ጸወታ ኣንጸባሪቑ።

ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ ቀዳም ካብ ኒያማታ ናብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ 115.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ክሽፍን እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0