ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዳግማይ ክጅምር’ዩ

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዳግማይ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 04 February 2018

ssudan peace talksካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ 5 ክሳብ 16 ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም፣ ተቐናቐንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጸጥታን መንግስታዊ ቅርጺን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክዝትዩ ምዃኖም ይግለጽ።

እዚ ብተደጋጋሚ ክጅምርን ክቋረጽን ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ሕጂ’ውን ከም ዝሓለፉ እዋናት ብዘይፍረ ከይዛዘም፣ በርጌሳውያን ማሕበራት’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪበን።

ልዕሊ 20 ዝኾና ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነጥፋ ማሕበራት ብሓባር ኣብ ዘውጸኦኦ መግለጺ፣ እቲ ዘተ ሰላም ውሕስነቱ ክረጋገጽ፣ ኩሎም ወገናት ነቲ ብተደጋጋሚ ክጥሕስዎ ዝጸንሑ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከኽብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈሪሙ ሳልስቲ ከይጸንሐ ክጠሓስ ምርኣይ ተስፋ ዘቑርጽ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ዝኾነ ናይ ተኹሲ ድምጺ ብዘይምስምዑ፣ ከም ጽቡቕ ተበግሶ ክውሰድ ይከኣል፣ ክብል እቲ መግለጺ ናይተን ማሕበራት የመልክት።

እዚ ብኢጋድ ተማእኪሉ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ዕዉት ክኸውን፣ እቲ በይናዊ በዓል ስልጣን ናይ ዝኾነ ወገን ከይሕዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የተሓሳስብ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ንኽግበር ብዓርቢ 2 ለካቲት መምርሒ ኣመሓላለፈሉ እዋን፣ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ከኣ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ዩ።

ኣቐድም ኣቢላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ስጉምቲ ክወስድ እማመ ኣቕሪባ’ያ። እንተኾነ ሩስያን ቻይናን ደገፍ ብዘይምሃበን እቲ እማመ ኣይጸደቐን።

ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2013 ካብ ዝጅምር ህይወት ኣሽሓት ክቐዝፍ እንከሎ፣ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ’ታ ሃገር ከኣ ካብ ቤት ንብረቱ ኣመዛቢሉ ይርከብ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0