ሱዳን ሰራዊታ ካብ የመን ክትስሕብ ኣል ሑቲ የጠንቅቕ

ሱዳን ሰራዊታ ካብ የመን ክትስሕብ ኣል ሑቲ የጠንቅቕ

Radio Erena: 05 February 2018

Al Houti

ሱዳን ኣብ የመን ኣዋፊራቶ ዘላ ሰራዊት ክትስሕብ መራሒ ናይቲ ብሑቲ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ኣጠንቂቑ።

ኣልሑቱ ብተሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፉ፣ ህዝቢ ሱዳን ደቁ ኣብ ሓድሕድ ኩናት የመን ክኣትዉ ድሌት ከምዘይብሉ ብምሕባር፣ ኣንጻር እዚ ናይ ፕረዚደንት ኣልበሽር ውሳኔ ከቓወም ጸዊዑ።

ፕረዚደንት በሽር ምእንቲ ገንዘብ ክብል፣ ንረብሓታት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን የገልግል ኣሎ ዝበለ እትኢ መራሒ፣ እዘን ሃገራት ንየመን ንምግምማዕ ኣጀንዳ ኣመሪካ ኣብ ምስሳይ’የን ዝርከባ ክብል ወቒሱ።

ሱዳን ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረን ሕቡራት ኢማራትን ዝተሰለፈ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ናብ የመን ከምዝልኣኸት ኣይርሳዕን።

ሑቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ ንኽትፍጽም፣ መንግስቲ ኤርትራ ወደብ ዓሰብን መዓርፎ ነፈርትን ምፍቃዱ ከምዝኾነነ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝመራሕቱ ኤርትራ እትርከበን መላፍንቲ ዘለዎ ሓይልታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ቢሎናት ዝግመት ሓይሊ ገንዘብን ዘመናዊ ኣጻውርን ኣሚኑ ኣብ የመን ዘካይዶ ዘሎ ኵንት ፍረ ከምዘይረኸበሉ ብሰፊሑ ይግምገም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0