ዕጡቓት ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 64 ስደተኛታት ከምዝሓዙ ገሊጾም

Radio Erena: 26 January 2017

Lib Su Bo

ምስ ኣዕራብ ሚሊሻ ‘ጃንጃዊድ’ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝንገረሎም፣ ዕጡቓት ሱዳን ፣ ናብ ሊብያ ንምስጋር ዝወጠኑ 64 ስደተኛታት ከምዝሓዙ ተገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ሚሊሻ ብሰሉስ 24 ጥሪ ካብ ሰሜናዊ ዳርፉር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን የመንን ምዃኖም ዝጠቐሶም ስደተኛታት 6 ቆልዑን 10 ደቀንስትዮን ከምዝርከብዎም ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ 8 ጥሪ’ውን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 115 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ዝዝከር’ዩ።

ኣካል’ቲ ኣብ ዳርፉር፣ ኣንጻር ጸለምቲ ደቀባት ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ‘ጃንጃዊድ’ ምዃኑ ዝንገረሉ ምሊሻ፣ ኣብ ሰነ 2016 ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ካብ ዝዋፈር፣ 1500 ስደተኛታት ሒዙ ናብ መንግስቲ ሱዳን ከምዘረከበ’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ሱዳን ንሓያሎ ካብቶም በብእዋኑ ዝሕዞም ዘሎ ኤርትራውያን፣ ብግዴታ ናብ ኤርትራ ይመልስ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0