ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ፣ ንኽልዓል ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣበርክቶ ከምዝገበራ ሱዳን ትገልጽ

Radio Erena: 27 January 2017

Al Bashir

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ፣ ንኸተልዕሎ፣ ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣበርክቶ ከምዝገበራ መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ።

ስቴት ሚኒስተር ከማል እስማዒል ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ እገዳ ሱዳን ንኽልዓል ብዘይካ’ቲ መንግስቲ ሱዳን ዘካየዶ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ጻዕርታት፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ማሕበር ምትሕግጋዝ እስላም፣ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ኣህጉራውያን ትካላትን ነናቶም ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ብምጥቃስ፣ ብፍላይ ንኢትዮጵያን ቀጠርን ኣመስጊኑ።

ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ መርትዖታት ናብ ዋሽንግተን ከምዘቕረባን፣ ምምሕዳር ዋሽንግተን ከኣ ንርእይቶ’ዘን ሃገራት ከምዝሰምዐን፣ ሚዲል ኢስት ሞኒተር ዝተባህለ ማዕከን ዜና ንመግለጺ ሚኒስተር ከማል ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ኣመሪካ፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዝነበረት እገዳ፣ ምምሕዳር ኦባማ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንገለ ክፋሉ ከምዘልዓለቶ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0