ውድብ ጥዕና ዓለም ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለገሶ ናውቲ ሕክምና ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 14 April 2020

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳንን ሶማልንን ዝለገሶ ናውቲ ሕክምና ሎሚ 14 ሚያዝያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደ ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣንጫን ማስክ፣ ጓንቲን ንመተንፈሲ ዝሕግዝ መሳርሒታትን ዘተቓለለ ናውቲ ሕክምና፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኩለን እተን ሃገራት ክከፋፈል ምዃኑ፣ ኣፈኛ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኤሊሳቤጥ ባይርስ ካብ ጀኔቫ ሓቢራ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዝልኣኾ ናውቲ ሕክምና፣ ብቀዳምነት ንሰብ ሞያ ጦና ዘገልግልን ኣስታት 30 ሽሕ ሕሙማት ንምሕጋዝ ዘኽእልን’ዩ።

እቲ ውድብ፣ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ብምትሕብባር ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልኣኽ ሓገዝ፣ ንኣዲስ ኣበባ ከም መናሃርያ ክጥቐመሉ’ዩ ከምዝወሰነ’ዩ ዝግለጽ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ 32 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልኣኸቶ ሓገዝ፣ ብ13 ሚያዝያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው’ውን እቲ ውድብ ኣረጋጊጹ።

ዩኒሴፍ’ውን ኣቐዲሙ ናብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ሓገዝ ከምዝልኣኸ ገሊጹ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፣ ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝልኣኾ ተመሳሳሊ ሓገዝ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምብጋሳ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክትምለስ ከምዝተገደደት’ዩ ዝንገር።

ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነጸጎ ዝተገልጸ ሓገዝ፣ ብወገን’ቲ ወኪል ኮይኑ ነቲ ሓገዝ ዘከፋፈለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ወናኒ ዓሊባባ፣ ቻይናዊ ጃክ ማ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0