ኣስመራ፣ መዓልታዊ፣ ጽዕነተን ዘይተፈልጠ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ይዓልባ

Radio Erena: 14 April 2020

ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከምዘበለት ኣብ እትገልጽ ኤርትራ፣ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብቀጻሊ ክዓልባን ክበራን ይርኣያ ምህላወን ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እተን ኣብዘን ዝሓለፋ 10 መዓልታት፣ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ዝዓለባ ነፈርቲ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተለገሰ ሓገዝ ዝጸዓና’የን ዝብል ግምታት ከምዘሎ’ዮም እቶም ምንጭታት ዝእንፍቱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሊብያ እትልእኮ ወትሃደራዊ ድጋፍ፣ ንኤርትራ ከም መሰጋገሪ ትጥቀመላ ምህላዋ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ምውቃሱ ዝዝከር’ዩ።

እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ኣብ የመን ንዘካየደቶ ወራርን መጥቃዕትን’ውን ንኤርትራ ከም መናሃርያ ክትጥቐመላ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣምሳያ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ዓረባዊት ሃገር ዝህቦ ኣገልግሎት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፊናንስያውን ዝተፈላለየ ሓገዛትን ከምእትገብረሉ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ሰነዳት ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0