ውሕሃ ጻውዒት ኢትዮጵያ ክነጽግ ተሓቲቱ

Radio Erena: 02 March 2023

ልዕሊ 60 ዝኾኑ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት፡ ብነጻ ወጻእተኛ ኣካል ንኸይጸረ ዝገብሮ ዘሎ ዕንቅፋት ጸማም እዝኒ ክወሃቦ፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብውሕሃ ዝቖመ መርማሪ ኣካል ስርሑ ንኸቋርጽ ዘቕረቦ ጠለብ ኣወንታዊ መልሲ ንኸይወሃቦ ዝጸውዑ፡ ብሰሉስ 28 ለካቲት ናብቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ እዩ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕሃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እተጻሪ፡ ብክኢላታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ታሕሳስ 2022 ከም ዘቖመ ይፍለጥ። ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኡጋንዳ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን “ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣትየ መርትዖታት ንኸይእክብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪለ” ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎን፡ንሉኡላውነት ኢትዮጵያ ዝጻረር ምዃኑን ብምግላጽ፡ ንኽፈርስ ክጠልብ ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ኣጀንዳ ዘልዓለ ምክትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፣ ውሕሃ ዘቖሞ መርማሪ ኮሚሽን ንኽፈርስ ንኢትዮጵያ ክሕግዙ ሓቲቱ ኔሩ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ፣ መንግስቱ እቲ ኮምሽ ንኽፈርስ ብወግዒ ከም ዝሓትት ምግላጹ ይዝከር።

ይኹን እምበር እዘን 62 ዝኾና ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዘጋጠመ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ተሓታቲ ክተርፍ ዝገብር ስለ ዝኾነ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ንኸይፈርስን፡ ሕቶ ኢትዮጵያ ክንጸግን ጻውዒተን ኣቕሪበን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0