ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወራሲ ዓራት ሱዕዲ ዓረብ ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 March 2023

ንክልተ መዓልታት ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም ናብ ርያድ ዘምርሐ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ብረቡዕ 1 መጋቢት ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንኽልተኣዊ ጉዳያት፡ ዞባዊ ምዕባለታትን ኣበርክትኦምን ኣመልኪቶም ምዝርራቦም፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እቲ ንግስነት SPA ሓቢሩ።

ኣብ 28 ለካቲት ናብ ሱዕድያ ዘምርሐ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ካብ ኤርትራ ኣሰንይዎ ዝኸደ ልኡኽ እንተሎ ብወግዒ ኣይተሓበረን።

ኣብቲ ርክብ ካብ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ተወሳኺ፡ ሚንስተራት ምክልኻል፡ ወጻኢ ጉዳያት፡ ፋይናንስን ጸጥታን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ዝተዋህበ ዝርዝራዊ መግለጺ’ኳ እንተዘየለ፡ ሬድዮ ኤረና ዘዛራረበቶም ተንተንቲ፡ እቲ ርክብ ብተበግሶ ሱዕዲ ዓረብ ዝተወስደ ምዃኑን፡ ንጸጥታውን ወተሃደራውን መዳያት ኣመልኪቱ ዝተገብረን ክኸውን ከም ዝኽእል ገምጋሞም ሂቦም።

ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተገብረ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራ ልዑል እጃም ከም ዝነበራን፡ ክሳብ ሕጂ ዝርዝሩ ዘይተፈልጠ ብስምምዕ ጅዳ ዝፍለጥ ምስጢራዊ ውዕል ንክኽተም መሪሕ ተራ ምጽዋታን ይዝከር። ሱዕዲ ዓረብ ኣብቲ ከም መንጎኛ ብምዃን ዝተሳተፈትሉ ስምምዕ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ከም ኣውሓሲት እቲ ስምምዕ ከም እትርአ ይፍለጥ።

ንስምምዕ ሰላም ፒሪቶርያ ስዒቡ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ከውጽእ ዝተፈላለዩ ምሕጽንታታት ክቐርበሉን፡ ብገበናት ኲናት ክሕተትን ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ህውሓት ዘለዎ ህልኽ ንስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ይኾኖ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

በዚ ድማ እዮም እቶም ተንተንቲ፡ ንኬንያ ስዒቡ ናብ ሱዕዲ ዘበለ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ንተራ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝዘተየን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ጸቕቲ ንምፍጣር ዝዓለመን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝእምቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0