ዋጋ ሽኮር ከቢሩ: ንሃገራት ኣፍሪቃ ይሃሲ

Radio Erena: Monday, 27 November 2023

ዋጋ ሽኮር ካብ 2011 ንደሓር ኣብ ዝለዓለ ዋጋ ይሽየጥ ኣሎ::

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ሽኮር ዝኾና ሃገራት ህንድን ታይላንድን ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ከምቲ ዝድለ እቶት ሽኮር ክሕፈስ ዘይምኽኣሉ እዩ::

ውድብ መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምህርቲ ሽኮር ኣብ ዓመተ 2023 ከምኡ’ውን 2024 ብ2 ሚእታዊት ከምዝጎደለን ክጎድል ምኳኑን እዚ ማለት ናይ 3.5 ሚልዮን ቶን ሕጽረት ከምዝኾነ ገሊጹ::

እዚ ሕጽረት ምህርቲ ዋጋ ሽኮር ክንህር ምኽንያት ከምዝኾነ እዚ ድማ ብፍላይ ንድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጎዲኡ ከምዘሎ እቲ ውድብ ሓቢሩ::

ኣብ 210 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ ንኣብነት ሽኮር ብመልክዕ መግቢ ብፍላይ ድማ ሕብስቲ ተሰርሑ ህዝቢ ብሕሱር ካሎሪ(ምንጪ ሓይሊ) ዝረኽበሉ መግቢ ከምዝኾነ ምውሳኽ ዋጋ ድማ ንሚልዮናት ተጠቀምቲ ድሮ ክሃሲ ጀሚሩ ከምዙሎ ተገሊጹ::

ናይጀርያ 98 ሚእታዊት ሽኮር ካብ ካልኦት ሃገራት ከምእተእቱ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ካብ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ካብታ ብምፍራዩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትርከብ ብራዚል ከምዝዕድገኦ ጸብጻባት ይሕብሩ::

ኣቐዱሙ ኣብ ዩክሬን ድሕሪ ዝተኸፍተ ኩናት ብዘጋጠመ ሕጽረት ስርናይ ዋጋ መግቢ ብፍላይ ድማ ባኒ ከቢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0