ሶማልያ: ኣብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ(EAC) ተጸንቢራ: ኢትዮጵያውን ክትጽንበር ሓሳብ ኣለዋ

Radio Erena: Monday, 27 November 2023

ኣብዚ ሕጂ እዋን ‘ብቀጽሪ ምትእኽኻብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ (EAC) እዩ ዝጽዋዕ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ እዚ ማሕበረሰብ’ዚ ናብ ፈደረሽን ክምዕብል ይስርሓሉ ኣሎ፡ እዚ ፈደረሽን ክውን እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ዓባይ ፈደረላዊት ሃገር ክትምስረት እያ።

እዚ ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ኬንያ: ብሩንዲ: ሩዋንዳ: ደቡብ ሱዳን: ኡጋንዳ: ታንዛንያ: ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝሓቖፈ ክኸውን እንከሎ ሕጂ ድማ ሶማልያ ተጸንቢራቶ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቑፍ እዩ:: ኣብ መጻኢ’ውን ኢትዮጵያ ክትጽንበሮ ሓሳብ ኣሎ::

ዕላማ እዚ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ሰፊሕ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብነጻ ዕዳጋን ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ::

ሶማልያ ካብዚ ንኣፍሪቃ ጨዲዱ ካብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘላግብ ምትእኽኻብ ቁጠባዊ መኽሰብ ክትረክብ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ::

ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 320 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓቑፍ ክኸውን እንከሎ ገለ ካብ ዕላምኡ ንጽል ዕዳጋ፡ ባጤራ፡ ሰራዊት: ናይ ሓባር ወጻኢ ጉዳያትን እትውንን ሓንቲ ብፈደረሽን ዝቖመት ሕብርቲ ሃገር ንምቛም እዩ።

ኣብ መስከረም 2018 ሽዱሽተ ሃገራት ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ብሩንዲ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብምርኻብ ኮሚቴ ብምቛም ‘ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ’ እትበሃል ሃገር ንምቛም ዘኽእለን ቅዋም ክነድፋ ተሰማሚዐን። ነዚ ንምትግባር እዘን ሃገራት በብእዋኑ ብምትእኽኻብ ቅዋም ኣብ ምንዳፍን ሕግታት ኣብ ምጽዳቕን ይርከባ።

ምቛም ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ 2018 ዝነቐለ ሓድሽ ሓሳብ ኣይኮነን፡ ኣብ መጀመርታ 1960ታት ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንጋኒካን ዛንዚባርን ካብ ገዛኢተን ዝነበረት ብሪጣንያ ናጽነተን ኣብ ዝጓናጸፋሉ እዋን ከም ሓንቲ ሃገር ቆይመን ፈደረሽን ክምስርታ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ግን ኣሰለጠን።

እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሕብረት ፈተነኳ እንተዘይተዓወተ ቀጺሉ ኣብ 1967 ተፈቲኑ ዳግማይ ኣይሰለጠን ድሒሩ ግን ኣብ 2000 ተበራቢሩ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያሎ ርክባት ኣብ 2010 ኣባላት ሃገራት ብነጻ ዘሳትፍ ሓባራዊ ዕዳጋ ተኣታትዩ።

ርእሰ ከተማ ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምስ ኬንያ ዘዳውብ ከባቢ ተደኲና እትርከብ ከተማ ኣሩሻ ክትከውን፥ እትጥቀመሉ ባጤራ ‘ሽሊን ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ወግዓዊ ቋንቋ ድማ ኢንግሊሽ ፈረንሳን ስዋሂሊን ክኸውን ምኳኑ ይግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0