ዋንነቱ ዘይተፈልጠ መገዲ ኣየር ኣብ ኤርትራ

ማሳዋ ኤርወይስ ዝተባህለ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክልተ ቢች ክራፍት ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ናብ ኣህጉራዊ መዓፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከምዘእተወ መርበብ ሓበሬታ ኣቬሽን ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት እቲ ኣብ ጉዳይ ኣቬሽን ዓለምና እዋናዊ ሓበሬታ ዝህብ ማዕከን ዜና፣ እተን ናብ ባጽዕ ኣትየን ዘለዋ ንኣሽቱ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ምስተን ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝተጸንበራ ክልተ ነፈርቲ ብሓባር ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ኣገልግሎታት ክውዕላ’የን።

    መንገዲ ኣየር ማሳዋ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራን ናስ ኤየርን፣ ተጸንቢሩ ኣብ ኤርትራ መበል ሳልሳይ ክኸውን’ዩ።
እዚ ሓድሽ ከምዝቖመ ዝግለጽ ዘሎ መንገዲ ኣየር ማሳዋ ዋንነቱ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

    እቲ ካብ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ናስ ኣየር ናይ ኤርትራውያን ንዋንነቱ ብዝምልከት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0