ማ.ባሕሪ ናይ ዝሰግሩ ቁጽሪ ኤርትራውያን ይውስኽ

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ እናበኣሰ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ።

    ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብ ትሪፖሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ዝሓልፋ ክልተ ኣዋርሕ ማለት ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ስደተኛታት ዝጸዓና 24 ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምእተበገሳ ኣምልኪቱ።

    መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ምዃኖም ዘረጋገጸ እቲ ጸብጻብ፣ ካብተን ገማግም ባሕሪ ዝተበገሳ 24 ጀላቡ እተን 19 ናብ ኢጣልያ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ማልታ ክኣትዋ እንከለዋ፣ እተን ኣርባዕተ ግና ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ከምእተመልሳ ሓቢሩ።

    ኣብ 19 ሚያዝያ 32 ትሕተ ዕድመ ቆልዑን 18 ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 84 ስደተኛታት ዝጸዓነተ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘንጸላለዋ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ብምሉኦም እቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ሓይሊ ባሕሪ ማልታን ኢጣልያን ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተፈሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0