ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ኣብ ዴ.ሪ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክበጽሕ’ዩ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ኣብ ዴ.ሪ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 21 February 2016

ban

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

ባንኪ ሙን ዑደቱ ኣብ 23 ለካቲት ብኮንጎ ፈሊሙ፣ ኣብ 25 ለካቲት ከኣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምርሕ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ዴሞክራያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝልዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዝተኸስተለን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን’ዩ ዝግለጽ።

 እቲ ዋና ጸሓፊ ናብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ክፍጽም ድሕሪ 2011 እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ጎማ ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት፣ ህይወት 10ታት ኣሽሓት ሰባት ከጥፍእ እንከሎ፣ ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን’ውን ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳል ቫኪርን ምክትሉ ሬር ማቻርን ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ እታ ሃገር ካብ ዝነበረቶ ዝበኣሰ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ይርከብ።

ብመንጎኝነት ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ክካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ጻዕርታት፣ ሳልቫኪርን ሬክ ማቻርን ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ይግከጽ እኳ እንተሎ፣ ኩነታት እታ ሃገር ገና ተኣፋፊ ከምዘሎ ፖለቲከኛታት የረድኡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0