ሚ.ው.ጉዳያት ጅቡቲ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸስስ

ሚ.ው.ጉዳያት ጅቡቲ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸስስ

Radio Erena: 19 February 2016

DJ Er

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቻይና-ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ -ቅነ፣ ቀዳም 6 ለካቲት ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተቐትሉ መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ ይጠቕስ።

እቲ ሚኒስተሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ተለልዩ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድገፉ ዕጡቃት ጅቡቲ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይኸስስ።

 

እንተኾነ እዚ ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጅቡቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብናጻ ኣካላት ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ኤርትራን ጅቡትን ድሕሪ’ቲ ኣብ 2008 ዘካየድኦ ግጭት፣ ብመነጎኝነት ቀጠር መስርሕ ዕርቂ ተጀሚሩ እኳ እንተነበረ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ፍረ ክርከቦ ኣይክኣለን።

እቲ ብመንኝነት ቀጠር ዝተጀመረ መስርሕ ዕርቂ ክዕወት ዘይክኣለሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ጅቡቲ ምሕባር ስለዝሓንገደ ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ጅቡቲ ዝጠቕስ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒልል ዑመር ጉለ’ውን ፣ “መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኣውራ ዘራጊ ሰላም እዚ ዞባ’ዩ፣” ክብል ብተደጋጋሚ እዋን ይወቕስ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፣ ብዛዕባ’ዚ ብጅቡቲ ዝቀረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ክሲን ወቐሳን ይኩን ምዕባለተት መስርሕ ዕርቂ ቀጠር ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0