ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዝቲ፣ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ይካየድ

ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዝቲ፣ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ይካየድ

Radio Erena: 29 August 2017

european leadersዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዝቲ፣ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ይካየድ ኣሎ።

እዚ መራሕቲ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ስጳኛ፣ ሊብያ፣ ጫድን ኒጀርን ዝሳተፍዎ ዘለው ዋዕላ ብመንግስቲ ፈረንሳ ዝተበጋገሰ ኮይኑ፣ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ቅድሚ ምብጽሖም ኣብዘን ሃገራት ግዝያዊ መዓስከራትን ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝግብኦም ዝጻረየሉ ማእከላትን ክቐውም ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ’ዩ።

ነዚ ትማሊ ሰኑይ 28 ነሓሰ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝወደበ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣቐዲሙ፣ ሓደ ካብቲ ማእከላት ኣብ ሊብያ ክቐውም ንዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ተሪር ነቔፌታ ከምዝወረዶ ኣይርሳዕን።

እቲ ማእከላት፣ ብውሕዱ ስደተኛታት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ዝኽእልሉን ናብ ሃገሮም ክፋነው እንተደልዮም ድማ ብዘይጸገም ዝፋነውሉን ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዝሓዘ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብታ ገና ብኵናት ሓድሕድ እትሕመስ ዘላ ሊብያ፣ ማእከል ስደተኛታት ምቛም ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ሓደገኛ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዕላማ ጌሩ፣ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ፣ መራሒ ናይታ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሱዳን ኣይተሳተፈን።

ፕረዚንት ሱዳን ኣብዚ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ’ቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊኡ ኣጽኒዐንኦ ዘለዋ ናይ መገሻ እገዳ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ሽበራን ውሕስነት ዶባትን ብዝምልከት ምስቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መራሒ ሊብያ ፋይዝ ኣል ሲራጅ ብሰኑይ 28 ታሕሳስ፣ ኣብ ካርቱም ተራኪቡ ተዘራሪቡ።

============================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0