ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ብዝካየድ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ይተዓናቐፍ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ብዝካየድ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ይተዓናቐፍ

Radio Erena: 29 August 2017

 oromiya unrestኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ጸጸኒሑ ብዝካየድ ዘሎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ ኣብ 29 ወረዳታት ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ደው ኢሉ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ካብ ዝርከባ 315 ወረዳታት፣ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኣድማ፣ ኣብተን 29 ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሳልስቲ ኣቋሪጹ ምጽንሑ ገሊጻ።

ኣብ ሰፊሕ ክፋል ክልል ኦሮሞ፣ ብሰንኪ ምኽፋል ግብሪ ብዝተላዕለ ተቓውሞ፣ ህዝቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ፣ ወነንቲ ዱኳናት፣ ኣብያተ ሸቐጥ፣ ቤት መግብን መስተን ከማኡ ድማ ታክሲ፣ ሚኒባስን ኣውቶቡሳትን ዝኣመሰላ መጓዓዝያታት፣ ንጥፈታቶም ደው ብምባል፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀሎም ናይ ግብሪ ኣከፋፈላ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቃወሙ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሓሙስ 24 ነሓሰ ኣብ ጅጅጋ ብዝተፈንጀረ ነታጕ ብውሕዱ 13 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተረጋጊጹ።

ናይቲ ክልተ ደቂንስትዮን ሓደ ቆልዓን ዝርከብዎም ሰባት ዘቑሰለ ነታጕ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።

ንኣስታት 10 ኣውርሕ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዘልዓለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ሓያል ጸጥታዊ ብድሆ ገጢምዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ከኣ ዜጋታታን ናብዚ ጸጥትኡ ዘይወሓሰ ቦታ’ዩ ዝበልኦ ክፋላት ኢትዮጵያ ከይገሹ መጠንቐቕታታት የቕርባ ኣለዋ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0