ወደብቲ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ሆላንድ፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ቨልድሆቨን 180 ሽሕ ኤውሮ ካሕሳ ሓቲቶም

Radio Erena: 17 May 2017

Yemane Hgdef

ወደብቲ ናይቲ ብተቓውሞ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝተሰናኸለ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ቨልድሆቨን፣ 180 ሽሕ ኤውሮ ካሕሳ ከምዝሓተቱ መርበባት ሓበሬታ ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እተን መርበባት ሓበሬታ ንጠበቓ እቶም ወደብቲ ህግደፍ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቨልድሆቨን፣ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ከይካየድ ምስራዙ ናይ ኣዳራሽን ካልእ ወጻኢታትን ብድምር 180 ሽሕ ኤውሮ’ዮም ከሲሮም።

ኣብቲ ብተቓውሞ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝፈሸለ ዋዕላ፣ 540 ደገፍቲ ደገፍቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ።

ምምሕዳር ከተማ ቨልድሆቨን ብዛዕባ’ዚ ብህግደፍ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ካብ 13 ክሳብ 17 ሚያዝያ ኣብ ሆላንድ፣ ከተማ ቨልዶቨን ዝካየድ ዝተወጠነ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፣ ኣብ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ብዘካየድዎ ተቓውሞ ከምዝፈሸለ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0