ኤውሮጳ፣ ኣንጻር ኣኼባታት ህግደፍ ተቓውሞታት ይቕጽል

Radio Erena: 17 May 2017

Eri Demo

ከም መቐጸልታ ናይቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣንጻር ኣኼባታት ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ተቓውሞታት፣ ኣብ ጀርመን ከተማ ከለን’ውን ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ብሰንበት 14 ግንቦት ተመሳሳሊ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብሰንበት 7 ግንቦት’ውን ኣብ ጀርመን፣ ስቱትጋርት ክካየድ ዝተወጠነ ኣኼባ ህግደፍ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ዝገጠሞ ተቓውሞ፣ ናብ ካልእ ኣዳርሽ ክግዕዝ ከምዝተገደደ ኣይርሳዕን።

ኣብ ፍራንክፈርት’ውን ብተመሳሳሊ ኣንጻር ኣኼባ ህግደፍ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ምክያዱ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ሆላንድ ክካየድ ኣብ ዝተወጠነ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ብሰንኪ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ምስንኻሉ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ጽልዋን ስምዒትን ፈጢሩ ይርከብ።

ብስም መበል 13 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍን ካልእን እናተበጋገሰ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላታት፣ ካብ ደለይቲ ለውጢ ተቓውሞ ከይገጥሞ ብምስጋእ፣ ዝካየደሉ ኣዳራሻት ኣቐዲሙ ክሕበር ኣይርአን’ዩ ዘሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0