ወተሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቶም

Radio Erena: 03 January 2022

ወተሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ልዕሊ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር ተቖጻጺሩ ዘሎ ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ክልቲኦም ሓይልታት ተዳኺሞም ከምዘለዉ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ ዝድግፉ ወተሃደራት መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምጅማሮም እዩ ዝንገር ዘሎ።

ሺን ሁዋ ካብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ከባቢታት ኣል-ባላቕ፣ ኣል-ሻርቕ ዝነበረ መዓስከራት ሑቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት መንግስቲ ኣትዩ ኣሎ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ብወገኑ 23 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ ብውሑዱ 160 ኣባላት ሑቲ ከምዝቐትሉ ማዕከን ዜና ኣል-ዓረቢያ ገሊጹ።

ብወገን ሓይልታት ሑቲ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ውግእ ሓድሕድ የመን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝተራእየሉ ፍጻሜ ኣስዒቡ ምህላዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0