ኮቪድ 19፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ብገመጋም 935 ሽሕ ሰባት ብኦሚክሮን ቫይረስ ተለኺፎም

Radio Erena: 02 January 2022

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ኣብ ማእከላይ ቻይና ዉሃን ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፈለማ ከምዝተራእየ ዝንገረሉ ኮሮና ቫይረስ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ብምንባሩ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊኡ ድሕሪ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ሳርስ-ኮቪ-2 (ኮቪድ-19) ዝብል ስም ኣጠሚቕዎ’ዩ።

እዚ ቫይረስ በብእዋኑ ባህርያቱ ክቐያይር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንፈለማ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምተራእየ ዝተገልጸ ‘ኣመክሮን’ ኣብ መላእ ዓለም ብፍጥነት ይላባዕ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ሰሙን ብገመጋም 935 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ክግለጽ እንከሎ እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ምልባዕ ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ።

እዚ ቁጽሪ’ዚ ሃገራት መዓልታዊ ካብ ዝህበኦ ጸብጻብ ዝተኣከበ ኮይኑ፡ ሓያሎ ሃገራት ብግቡእ ጸብጻብ ዘየቕርባ ብምዃነን እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሓድሽ ባህርይ ኮቪድ-19 ‘ኣመክሮን’ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ምልውዋጣት ብዝፍለ ዝያዳ ጎዳኢ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ምልባዕ ግን ዝያዳ ናህሪ ኣለዎ።

ኮሮና ቫይረስ ሓደ ኣብ መንጎኦም ዝምድና ዘለዎም ግን ከኣ ዝተፈላልዩ ቫይረሳት ዝሓቖፈ ጉጅለ እዩ። እዚ ጉጅለ ቫይረሳት ወዲ ሰብ ንዝርከቦም መጥበውቲ እንስሳታትን ኣስዕዋፍን ክሕዝ እንከሎ ንስርዓተ ምስትንፋስ ኣፍንጫ፡ ጎሮሮን ሳንቡእን ብምጥቃዕ ከም ጉንፋዕን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኢንፍሉዌንዛ የኸትል።

ኮሮና ቫይረስ ዝሓቕፎም ቫይረሳት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዮም ሓደገኛታት ቫይረስ ክምዕብሉ ጸኒሖም። ገለ ካብዚኦም ድማ ሳርስ፡ መርስን ኮቪድ-19ን ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ዝተፈላለየ መልክዕ ክልወጥ ጸኒሑ፡ ለውጢ ዝገበሩ ቫይረሳት፡ ፊደላት ጥንታዊ ግሪኽ ማለት ኣልፋ፡ ቤታ፡ ጋማ፡ ደልታ፡ ኢፒሶሎን፡ ዜታን ካልእ ዝብል ኣስማት ክወሃቦም ጸኒሑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0