ወራስ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ስዑዲ ዓረብ ናብ እስራኤል ምስጢራዊ ምብጻሕ  ፈጺሙ

ወራስ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ስዑዲ ዓረብ ናብ እስራኤል ምስጢራዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 14 September 2017

saudi princeወራሲ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳል ማን ኣብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊዐን።

መሓድ ቢን ሳልማን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እስራኤል ዘካየዶ ምስጢራዊ ዑደት፣ ብዛዕባ ጸጥታ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እስራኤል ከምዝተዘራረበ’ውን ገሊጸን።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብወግዒ ንእስራኤል ከም ሃገር ዘይተቀበለትን ምስ እስራኤል ከኣ ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ዘይብላን ስዑዲ ዓረብ፣ ብወራሲ ዓራት ዝምራሕ ላዕለዋይ ሉኣኻ ብምስጢር ናብታ ሃገር ምስዳዳ፣ ኩነታት የመን፣ ቀጠር፣ ሶርያ፣ ኢራንን ካልእ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩላ ምህላዉ ዘገንዝብ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።

እቲ ስልጣን ካብ ኣቡኡ ክርከብ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ እስራኤል ብምስጢር ዑደት ምክያዱ፣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣዛራቢ ኮይኑ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ግና ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ወይ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

ደገፍቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝኾና ማዕከናት ዜና ብወገነን፣ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ፣ ዑደት ወራሲ ዓራት ናብ እስራኤል ብቀጠር ዝተማህዘ’ዩ ብምባል፣ በንጻሩ፣ ኣቐዲሙ ናብታ ኣይሁዳዊት ሃገር ዝበጽሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር’ዩ ክብላ ይጣበቓ ኣለዋ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፣ ነቲ ብቀደሙ’ውን ርግኣት ዘይነበሮ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝበኣሰ ወጥሪ ክሸሞ ከምዝኽእል መጠንቐቕታታት ክቀርብ ጸኒሑ’ዩ።

============================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0