“ብዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝዕማም ዘሎ ስራሕ፣ ብፍልስጤማውያን ክትካእ ኣለዎ፣” ሚ/ፍትሒ እስራኤል

“ብዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝዕማም ዘሎ ስራሕ፣ ብፍልስጤማውያን ክትካእ ኣለዎ፣” ሚ/ፍትሒ እስራኤል

Radio Erena: 13 September 2017

Justice Minister of Isreal

ብዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝዕማም ዘሎ ናይ ጉልበት ስራሕ፣ ብፍልስጤማውያን ክትካእ ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሻከድ ጸዊዓ።

ንሳ ነዚ ዝጸውዐት፣ ብሰኑይ 11 መስከረም፣ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸረ ሽበራ’ያ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝሰርሕዎ ዘለዉ፣ ዝተፈላለየ ናይ ጉልበት ዕዮታት፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ክሰርሕዎ ይኽእሉ’ዮም ዝበለት እታ ሚኒስተር፣ እቶም ብዘይሕጊ ናብ እስራኤል ዝኣተዮም ዝበለቶም ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገር ክወጹ ምዃኖም ገሊጻ።

ኣብ ምዕራባዊ ገምጋም ዘለዉ ፍልስጤማውያን፣ ናብ ውሽጢ እስራኤል እናኣተዉ ክሰርሑ ግና ኣብ ኬላታት ዝግበር ተፍትሽን ምቁጽጻር መንነት ወረቐት ብመጠኑ ክፈኩስ ተላብያ።

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘየብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምግላጹ ይዝከር።።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ዝተዋህበ፣ ናብ ሳልሰይ ሃገራት ብዘይድሌቶም ምኻድ ዝኣበዩ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ከይእሰሩ ዝብል ውሳኔ ድሕሪ ምቅዋም፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርየ ደሪንን ሚኒስተር ፍትሒ ኣይለት ሻከድን ንጽልዋታት እቲ ውሳኔ ከጽንዑ ምዃኖም’ውን ጠቒሱ’ዩ ኔሩ’ዩ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0