ኮሚሽን ኤውሮጳን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘትዮም

ኮሚሽን ኤውሮጳን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘትዮም

Radio Erena: 23 April 2015

Au Eu

ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ዦን ክሉድ ጁንከር፣ ምስቲ ብኮምሽነር ዶክተር ድላሚኒ ዙማ ዝተምረሐ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ ብምርኻብ፣ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጸጥታ፣ ደሞክራስን ልምዓትን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ሓቢረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዓበየ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ድማ ካብ ኣውራ እቲ ዝተላዕለ ዘተ ምንባሩ ኣረጋጊጾም።

ርክብ ወከልቲ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብዘይካ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ገኒኑ ዘሎ ምንቕስቓስ ከም ቦኮ ሓራም፣ ኣልሸባብን ዳዒሽን ዝኣመሰሉ ሽበራውያን ጉጅለታት’ውን ብዕምቖት ዘትዩሎም።

 

ኾሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ድላሚኒ ዙማ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ናብ ስልጣን ካብ እትመጽእ፣ ምስ ኾሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት ዘተ ክካየድ ንመጀመርያ’ዩ።

ብኻልእ ወገን፣ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ’ውን ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ተወሳኺ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ወከልቲ እቲ ሕብረት፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዘጋጠሞ ሞት ስደተኛታት ልዕሊ 1500 በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ተወሳኺ ህልቂት ከየጋጥም ንምግታኡ ክግበር ዘለዎ ሓባራዊ ጻዕርታት ተመያይጦም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ኣማኢት ስደተኛታት እቶም ኣስታት 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ነዚ ሓበሬታ ዝህብ ዘሎ፣ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ 28 ሰባት ብምውካስ’ዩ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0