ኣልሸባብ፣ ኣብ ቤት መግቢ ብዘጻወዶ ነታጕ ብውሕዱ 10 ሰባት ቀቲሉ

ኣልሸባብ፣ ኣብ ቤት መግቢ ብዘጻወዶ ነታጕ ብውሕዱ 10 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 23 April 2015

Alshaba

ኣልሸባብ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ሶማልያን ዶባት ኬንያን ከካይዶ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ብውሕዱ 10 ሰባት ቀቲሉ።

ኣፈኛ ኣልሸባብ ሸኽ ዓብዲያዝ ሙሳብ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነታ ኣብ ጥቓ ቤተ- መንግስቲ እትርከብ ቤት መግቢ ዒላማ ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ኣባላት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ስለዘዘውትሩዋ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 

እንተኾነ ግዳያት ናይቲ ኣልሸባብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት መግቢ ጫማ እናጸረገ ዝናበር መንእሰይ ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሞቛድሾ ይሕብር።

ኣልሸባብ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ፑንትላንድ ከተማ ጋረወ፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረሰናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እተመላልስ ሚኒባስ ብዝፈጸሞ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን ብኩሉ መኣዝን ኣንጻር ኣልሸባብ ብዘካየድኦ መጥቃዕታት፣ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝነበረ ሓያሎ ከባቢታት ክሃድም እኳ እንተተገደደ፣ መጥቃዕታት ግና ክሳብ እዋን’ዚ ደው ክብል ኣይከኣለን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0