ክታበት ጸረ ኮቪድ19 መሰል ኩሉ ዜጋ ወዲሰብ ክኸውን ዝጠልብ እማመ ቀሪቡ

Radio Erena: 13 March 2022

ክታበት ጸረ ኮቪድ19 ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ምዕሩይ ምቕረሐ ብዘይምህላዉ፣ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ውድብ ብ10 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 10.5 ቢልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ19 ምክያዱ፣ ንመላእ ህዝቢ ዓለም እኹል ምንባሩ ዘጉልሕ ሓቂ’ዩ ኢሉ። እንተኾነ ኣብ ድኻታት ሃገራት ካብ 13 ሚእታዊት ዘይበዝሕ ህዝበን ጥራይ ክታበት ምርካቡ ንምምካት’ቲ ለበዳ ኣኽቢዱዎ ምህላዉ ገሊጹ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምዕሩይ ምቕረሐ’ቲ ክታበት ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክኽተብ ስለዘኽእል፣ ንሓደጋ’ቲ ቫይረስ ብርኡይ ከምዘጉድሎ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እተን ትሑት ቁጽሪ ክታበት ዘመዝገባ ሃገራት ገና ካብቲ ሓደጋ ከይተገላገላ እንከለዋ፣ ልዑል ናይ ክታበት ቁጽሪ ዘመዝገባ ሃገራት ድሮ ዕዳጋታተን ከፊተን ቁጠበአን ከበራብራ ይጅምራ ኣለዋ ኢሉ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባሽለት ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ‘ሳይንሳዊ ምርምር ነቲ ክታበት ኣብ ምርካብ ተዓዊቱ፣ እንተኾነ ንሕና ኣብ ምቕረሐኡ ስለዘይተዓወትና፣ ነቲ ለበዳ ክንቆጻጸሮ ግዜ ወሲዱልና’ ብምባል ነቲ ማዕረ መሰል ንክታበት ጸረ ኮቪድ19 ዝብል ሓሳብ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ።

ኤርትራ ጥራይ ዘይተጠርነፈትሉ፣ ሓያሎ ድኻታት ሃገራት ተረባሕቲ ናይቲ ብኮቫክስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮጀት ምትሕግጋዝ ክታበት ዝኾናሉ እኳ እንተሎ፣ ካብ ለገስቲ ሃገራት ብወለንታ ዝምወል እዩ።

ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ መሰል ኩሉ ዜጋ ወዲሰብ ክኸውን ዝጠልብ እማመ ብኣዘርባጃንን ኤኳዶርን ቀሪቡ እዩ። ገለ ሃገራት ምዕራብ ብቐጥታ ምስ ቁጠበአን ዝተኣሳሰር ረብሓ ስለዘለወን፣ እቲ እማመ ዝያዳ ግዜ ወሲደን መጽናዕቲ ክገብራሉ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0