ብሕቡእ ዝወጸ ሃብቲ ወርቂ ሱዳን፣ ኣብ ሩስያ ተኸዚኑ ከምዘሎ ንዝገልጽ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ

Radio Erena: 13 March 2022

ንዓመታት ዝኣክል ብሕቡእ ዝወጸ ሃብቲ ወርቂ ሱዳን፣ ኣብ ሩስያ ተኸዚኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ሚኒስተር ማዕድን ሱዳን መሓመድ በሺር ኣቡንሞ፣ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ‘ካብ ህዝቢ ሱዳን ዝተሰርቀ ሃብቲ ወርቂ ኣብ ሩስያ ተኸዚኑ ኣሎ ዝብል ዘይተጻረየ ወረ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲን ማዕቀብ ንምግባር ብምዕራባውያን ሓይልታት ዝተኣልመ’ዩ’’ ክብል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡ።

ብሪጣንያ ዝመደበሩ ‘ደይሊ ተለግራፍ’ ብ3 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ናይ ሕጂ ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ዳግሎ፣ መራሒ ምልሻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብቶናት ዝምዘን ወርቂ፣ በብቁሩብ ነኣሽቱ ነፈርቲ ብምጥቃም ናብ ሩስያ ከምዘስገሮ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ሩስያ ተኸዚኑ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ሃብቲ ወርቂ፣ ናይ 630 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ሱዳን፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝዕስክር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ከተአንግድ ድልውቲ ምህላዋ ኣብ ርእሲ ምግላጻ፣ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ንዩክረይን፣ ኣብ ጎድኒ ሩስያ ደው ምባላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር፣ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ኣብ ዝሕልኑሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምጭዋይ፣ ኣብ ዕደና ወርቂ’ውን ተዋፊሮም ምንባሮም ደይሊ ተለግራፍ የቃልዕ።

እንተኾነ ሚኒስተር ማዕድን ሱዳን፣ መስርሕ ዕደና ካብ መፈለምታ ክሳብ ተጻርዩ ናብ ማዕከን ዝኣቱ፣ በቲ ሚኒስትሪ ምክትታል ከምዝግበረሉን፣ ዝኾነ ብውልቂ ዝግበር ዕደና ከምዘይነበረን ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን፣ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለወን ኣብ ዕደና ወርቂ ዝሳተፋ ትካላት ሩስያ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0