ኬንያ፣ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ንፈለማ እዋን፣ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ኣመሓደርቲ ኮይነን ተመሪጸን

Radio Erena: 14 August 2022
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ካብ 47 ኣመሓደርቲ ዞባታት፣ ብውሑዱ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ተመሪጸን ምህላወን፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓፈሻዊ ምርጫ ሰለስተ ደቀንስትዮ ጥራይ ምዕዋተን ዘዘኻኸረ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር፣ ኣብ ብቕዓት ምምሕዳር ደቀንስትዮ፣ እምነት ህዝቢ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣሎ፣ ክብል ገሊጹዎ።
ኣብ ሃገራዊ ባይቶ እውን ካብ 290 ወናብር፣ ሽዱሽተ ብደቀንስትዮ ተወሲዱ ምህላዉ ዝገልጹ ጸብጻባት እታ ሃገር፣ ከድምጹ ካብ ዝተመዝገቡ ዜጋታት ፍርቀን ደቀንስትዮ እንከለዋ፣ ናብ ስልጣን ክመጻ ካብ ዝወዳደራ ግና ድምጺ ደቀንስትዮ ክረኽባ ኣይጸንሓን።
ውጽኢት ምርጫ ተዓዋቲ ፕረዚደንት ክሳብ ዝግለጽ፣ ህዝቢ’ታ ሃገር ናዕቢ ከይለዓል ኣብ ስግኣት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም የመልክታ። ብፍላይ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዊልያም ሩቶ እንተዘይተዓዊቱ፣ ናዕቢ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣብ ዝበዝሐ ህዝቢ ኬንያ ሰሪጹ ይርከብ።
ተጣበቕቲ መሰላት ኬንያ፣ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ዝተነግረሉ፣ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፣ ቃለ- መሓላ ዕዉት ፕረዚደንት ክካየድ ዝጠልብ ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ኣቕሪቦም ኣለዉ። ቀንዲ ምኽኒያት ናይዚ፣ ድሕሪ ውጽኢት ምንጋሩ ክስዕብ ንዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ንምውጋድ ምዃኑ እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።
ብሰንኪ ተመሳሳሊ ስግኣት፣ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ክጅምራ ዝተዳለዋ ቤት ትምህርታት’ታ ሃገር፣ ውጽኢት ተነጊሩ ህዝቢ ክሳብ ዝረጋጋእ፣ ወይ ስግኣት ናዕቢ ክሳብ ዝእለ፣ ተዓጽየን ክጸንሓ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0