‘ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካዪዶም’ ሕ.ኣፍሪቃ

Radio Erena: 14 August 2022

ኣርካይቭ ኢንተርነት

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቀጥታዊ ዝርርብ ከምዘካየዱ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
እዚ ንመጀመሪያ ግዜ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ቀጥታዊ ዝርርብ፣ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ሕብረት ብሓሙስ 11 ነሓሰ እዩ ወግዓዊ ገይሩዎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘተ ሰላም ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ እንተተማእኪሉ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ክዘራረብ ድሉው ምህላዉ ክገልጽ እንከሎ፣ ህወሓት ብፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምእከል እዩ ክጠልብ ጸኒሑ። ብተወሳኺ ዝኾነ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፣ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኣብ ትግራይ ክጅምር ዝብል ዝርከቦ ቅድመ ኩነት ምቕማጡ ይዝከር።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቀጥታዊ ዝርርብ ንምጥጣሕ፣ ምስ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ክዘራረብ ጸኒሑ’ዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ወኪል ክኾኖ ዝመዘዞ ኦባሳንጆ፣ ክልቲኦም ወገናት ብቐጥታ ንኽዘራረቡ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣሞጒሱ። እቲ 10 መዓልቱ ዘሕለፈ መግለጺ፣ ሕጂ እዩ ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ዘሎ።
እንተኾነ ወሃብ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣይተኻየደን ክብል ቃል ሂቡ። ንሱ ብተወሳኺ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ መግለጺ ‘ውጹእ ሰንዓ’ዩ’ ክብል ገሊጹዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0